Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ 52 ክላሽንኮቭን 10 ኪሎ ግራም ሓሽሽን ተታሒዙ

0 105

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ 52 ክላሽንኮቭን 10 ኪሎ ግራም ሓሽሽን ከምዝተትሓዘ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ሺሕ ጠያይቲ ብሬን፣ መትረየስን ክላሽንኮቭን ተታሒዞም ኣለዉ።

ነቲ ጠያይቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘዘዋውሩ ዝነበሩ ዝተብሃሉ ክልተ ተጠርጠርቲ እውን ኣብ ቁፅፀር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ሕብረተሰብ ብዝገበሮ ምትሕብባር እቶም ዘይሕጋውያን ክላሽንኮቭን ሓሽሽን ከምዝተትሓዙ ድማ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፦ግዜኢ

Comments
Loading...