Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ይኸይድ ንዘሎ ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምክልኻል ይስራሕ ኣሎ

0 140

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ይኸይድ ንዘሎ ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምክልኻል ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘሃቦ መግለፂ እዩ ነዚ ዝበለ።

ኣተሓባባሪ ኣዉራ ከይዲ ሰራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ እቲ ቢሮ ኣይተ በሪሁ መስፍን ከምዝበልዎ፥ ኣብ ተቓላዕቲ ወገናት፣ ኣብ ምጥንኻር ምኽሪን ምርመራን ስራሕቲን፣ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ከይሓልፍን ስትራተጂ ኣዉፂኡ እናሰርሐ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ምክልኻል እቲ ሕማም ምዝሕሓል ስለዘሎ ዝርግሕኡ እናወሰኸ እዩ።

ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ክልልና 1 ነጥቢ 24 ከምዝኾነ ዝተዛረቡ እቶም ኣተሓባባሪ ዕሸል ከተማታት ምብርኻተን ከም ፀገም የልዕሉ።

ኣብ ትግራይ 64 ሽሕን 797 ወገናት ኣብ ደሞም እቲ ቫይረስ ኣለዎም።

ካብዚኣቶም እተን 60 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ኣይተ በሪሁ ተዛሪቦም።

ነቲ ዝርገሐ ንምቕናስ ድማ ኩሉ ሕብረተሰብ ባዕሉ ካብ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ክከላኸል ይግባእ ኢሎም።

ብዮናታን ግዛቸዉb

Comments
Loading...