Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሰላም ተመዛበልቲ ንምድጋፍን መሊስካ እግሪ ንምትካልን ዝስርሑ ዘለዉ ተግባራት ገምጊሙ

0 98

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ሚኒስቴር ሰላምን መዳርግቲ ኣብያተ ዕዮን ዝተውፃእፅኡ ብሄራዊ መተሓባበርቲ ኮሚቴ ተመዛበልቲ ንምድጋፍን መሊስካ እግሪ ንምትካልን ዝስርሑ ዘለዉ ተግባራት ገምጊሞም።

ኣብ እዋን እቲ መድረኽ ገምጋም፥ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ሃረሪን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ ፀብፃብ ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣወሃህባ ድጋፍ፣ ተፈናቐልቲ ብፍቓዶም ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ፣ ሰብኣዊ መሰሎም ኣብ ምኽባርን ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምርግጋፅን ብዝምልከት ዘተ ተገይሩ።

ኣብ ከይዲ ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝተርኣዩ እወንታዊ ተግባራትን እወን ዘተ ተገይሩሉ እዩ።

Comments
Loading...