Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ዕላማ ብምዃን ለውጢ ንምምፃእ ቁርፀኛታት እንትንከውን መፃኢ እዋን ብሩህ’ዩ-ዶ/ር ደብረፅዮን

0 156

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ነበር ኣይተ ለማ መገርሳ ሎሚ መዓልቲ ኣማሲዩ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይሩሎም።

ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ምፍናው፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ሰብ መዚ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም እዮም።

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣይተ ለማ ኣብ ክልል ኣብ ዝነበርሉ እዋን እወንታዊ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እቲ ሐዚ ኣብ ፌዴራል ተወሂቡዎም ዘሎ መዝነት ኣብፃንሒቶም ንህዝብን ሃገርን ዝረብሕ ስራሕቲ ከምዝፍፅሙ ድማ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

“ዘለናሉ እዋን እዋን ሽግግር እዩ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ኣብ እዋን እዚ ሽግግር ምፍንቓል ዜጋታት፣ ምጥሓስ ፌዴራላዊ ስርዓትን ሕገ መንግስቲን ይርአ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ነቲ ገጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ናይ ዓላማ ሰባት ምዃን ጥራሕ ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

“ኣብ ክሊ ዕላማ ብምዃን ለውጢ ንምምፃእ ቁርፀኛታት እንትንከውን መፃኢ እዋን ብሩህ እዩ” እውን ኢሎም።

ነዚ እውን ዝጎደሉ ነገራት ሓድነት ብምፍጣርን ብምድግጋፍን ምምላእ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።

እዚ ኣብዝግበር እቲ ሐዚ ዘሎ ለውጢ ንምዕባለ ኢትዮጵያ ልዑል ዕድል ከምዝፈጥር ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ ንስርዓት ፌዴራል ይኹን ንህንፀት ሕገ መንግስቲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ብብርኪ ሃገር ገጢሙ ንዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ሓጋዚ ከምዝኸውን አገንዚቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፥ ካብ ኦሮሚያ ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ከምዘለዉ ገሊፆም።

እቲ ዝተፈፀመ ተግባር፥ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘይተፀበዮ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

ስለዚ እቶም ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ናብ ዝነበርዎ መረበት ኣብ ምምላስ ኣመራርሓን ህዝብን ኦሮሞ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዚ ኣብ ዝግበር እቶም ዜጋታት ሓገዝቲ ለውጢ ከምዝኾኑ ድማ ተዛሪቦም።

እቲ ምፍንቓል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ተወለድቲ ኦሮሞ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ከምዝተፈናቐሉ ዝተዛረቡ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ነዚኦም ናብ ቦቶኦም ኣብ ምምላስን እግሪ ኣብ ምትካልን ህዝብን መንግስቲን ትግራይ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኦሮሚያ ከምዝስለፉ ቃል ኣቲዮም።

ብደስታ ተካ

Comments
Loading...