Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ በዓል ሞተር ማሕረሻ ተመሪቑ

0 171

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝሰርሖ በዓል ሞተር ማሕረሻ ተመሪቑ።

እቲ ማሕረሻ ንናይ ኢትዮጵያ ሕርሻ ብዝስማዕማዕ መገዲ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ብኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ዝተሰርሐ ስለ ዝኾነ ተወሳኺ ምምሕያሽ ብምግባር ኣብ ረብሓ ንምውዓል ምቹው ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ማዕፂድን ዝተዓፀደ እኽሊ ምእካብ ዘኽአል ቴክኖሎጂን ከምዝስራሕ ተገሊፁ።

እቲ ማሕረሻ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂም ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ሓዊሱ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ተመሪቑ።

Comments
Loading...