Fana: At a Speed of Life!

መስመር ሑመራ-ኡምሓጀር ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ካብ ሎሚ ወጋሕታ ጀሚሩ ከምዝተዓፀወ ተገሊፁ

0 278

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መስመር ሑመራ-ኡምሓጀር ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ካብ ሎሚ ወጋሕታ ጀሚሩ ከምዝተዓፀወ ተገሊፁ።

መስመር ሑመራ-ኡምሓጀር ብመራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝተረኸቡሉ 29 ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ብዕሊ ምኽፋቱ ይዝከር።

ክሳብ ዕለት 09 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም ድማ ውዑይ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ክካየደሉ ፀኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር ሎሚ 10 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ምንቅስቓስ ተሸከርከርትን ዝኾነ ዓይነት ንግዳዊ ልውውጥን ጠጠው ክብል ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ምዕራብ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል ብክልቲኡ ወገን ሰጊረን ዝፀንሐ ተሸከርከርቲ ግን ነናብ ቦታአን ክምለሳ ይግበር ምህላው ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Comments
Loading...