Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብቲ ተተሒዘሙሉ ዝነበረ ቦታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሰጋገሩ ተገሊፁ

0 60

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብቲ ተተሒዘሙሉ ዝነበረ ቦታ ብሰሉስ ምሸት ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሰጋገሩ ተገሊፁ።

እዚ ሓበሬታ ካብ ኣባላት ስድራቤት እቶም ፕሬዚዳንት ከምዝረኸቦ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ሱዳን ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ሰላማዊ ሰልፍታት፥ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ነቶም ንኣስታት 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ዝነበሩ ፕሬዚዳንት ዑመር ሓሰን ኣልነሽር ካብ ስልጥን ኣልዩዎም `ዩ።

ነዚ ስዕቡ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን፥ ነታ ሃገር ንክልተ ዓመት ከመሓድር ዝኽእል ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ሽግግር መንግስቲ ምጥያሹ ይዝከር።

ይኹን እምበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘውፅኡ መግለፂ፥ ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን መዝነቱ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ብሲቪል ንዝምራሕ ፓለቲካዊ ጉጅለ እንተዘየመሓላሊፉ እታ ሃገር ካብ ኣባልነት ከምዝእግዳ ኣፍሊጡ እዩ።

Comments
Loading...