Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ዋና ዳይሬክተር ሓለዋን መፅናዕትን ቅርስታት ኢትዮጵያ ብምዃን ተሸይሞም

0 95

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ዋና ዳይሬክተር ሓለዋን መፅናዕትን ቅርስታት ኢትዮጵያ ብምዃን ተሸይሞም።

ዋና ዳይሬክተር ሓለዋን መፅናዕትን ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣይተ ዮናስ ደስታ ካብ ሓላፍነቶም ምልዓሎም ስዒቡ፥ ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ከምዝተሾሙ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ፥ ኣይተ ዮናስ ካብ 13 ሓምለ 2003 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ’ቲ በዓል መዚ ዋና ዳይሬክተርነት ብምዃን ንሃገር ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።

ካብ 4 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉ እውን ኣፍሊጠሙዎም።

ይኹን እምበር ኣይተ ዮናስ ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓልሉ ምኽንያት ኣብቲ ደብዳቤ ከምዘይተሓበረ ተገሊፁ።

ኣይተ ዮናስ ንጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፥ ልዕሊ ሸውዓተ ዓማውቲ ካብ ዘገልገልሉ ቤት ዕዮ ንምልዓል ዝተውሃበ ውሳነ ብኣኽብሮት ከምዝቕበልዎ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ መምህር ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ዋና ዳይሬክተር ሓለዋን መፅናዕትን ቅርስታት ኢትዮጵያ ንክኾኑ ከምዝሾምዎም ተገሊፁ።

ኣይተ ኣበባው ኣያሌው ድማ ብምክትል ዋና ዳይሬክተርነት ተሸይሞም ኣለዉ።

ኣይተ ዮናስ ኣስከሬን ኣፄ የውሃንስ ካብ ሱዳን ንምምላስ ኣብ ቀረባ እዋን ምንቅስቓስ ጀሚሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

Comments
Loading...