Fana: At a Speed of Life!

ዓዲግራት ሓዊሱ ኣብ 6 ከተማታት ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ዓቕሚ ኔትዎርክ ኤሌክትሪክ ክካየድ ኢዩ

0 242

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓዲግራት ሓዊሱ ኣብ 6 ከተማታት ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ዓቕሚ ኔትዎርክ መብራህቲ ከምዝካየድ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዛ ሃገር 4 ሺሕን 200 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘሎ እንትኸውን፥ ነዚ ናብ 17 ሺሕ ሜጋ ዋት ክብ ንምባል ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ብዙሓት ዓማዊል ኣብ ልዕሊ እቲ ሐዚ ዘሎ ግልጋሎት ዝስምዖም ቅርታ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።

ነቲ ቅርታ መበገሲ ብምግባር ነባር ግልጋሎት ኔት ዎርክ ንምምሕያሽን ዘመናዊ ንምግባርን ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣይተ ሽፈራው ተሊላ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ፥ እቲ ምምሕያሽ ሐዚ ዘሎ ዓቕሚ ኢኮኖሚ ዘገናዘበ ኢዩ።

ስለዝኾነ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ሸውዓተ ከተማታት ዝግበር ምምሕያሽ ኣብ ምዝዛም ከምዘሎ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ጎንደር፣ ደብረማርቆስ፣ ሻሸመኔ፣ ወላይታን ሃረርን ዘለወን ዓቕሚ ኤሌክትሪክ ንምምሕያሽን ዘመናዊ ንምግባርን ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

Comments
Loading...