Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ 29 ማሕበራት መንበሪ ገዛ መሬት ተረኪበን

0 34

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሰቲት ሑመራ ብማሕበር ተወዲበን መንበሪ ገዛ ንምሰራሕ መሬት ዝሓተታ 304 ኣባልት ዝሓቖፋ 29 ማሕበራት መሬት ተረኪበን ስራሕቲ ህንፀት ጀሚረን።

ከም ሓበሬታ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ገብረመድህን ዮሃንስ፥ ብማሕበር ተወዲቦም ገዛ ንምስራሕ ዝሓተቱ ኣባላት ዝተፈላለያ ማሕበራት መሬት ተዋሂቡዎም ኣሎ።

ብመሰረት እዚ 116 ኣባላት ዝሓቆፋ 6 ማሕበራት መምህራን፣ 56 ኣባላት ዝሓቐፋ 14 ማሕበራት ጉድኣት ዂናት፣ 100 ኣባላት ዝሓቖፋ 7 ማሕበራት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ 32 ኣባላት ዝሓቖፋ 2 ማሕበራት ሰራሕተኛታት መንግስትን ዛጊድ መሬት ክረኽቡ ተገይሩ ህንፀት ጀሚሮም ኣለዉ።

እተን ማሕበራት ኣብታ ኸተማ ተዛሓሒሉ ዝፀንሐ ዘፈር ኮንስትራክሽን ካብ ምንቕቓሕ ብተወሳኺ፥ ንብርክት ዝበሉ ወገናት ግዚያዊን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠራ እውን ገሊፆም።

 

Comments
Loading...