Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዓብዪ ጉያ ክሳለጥ’ዩ

0 103

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ካብ 20 ጉንበር ጀሚሩ ዓብዪ ጉያ ክሳለጥ’ዩ።

እቲ ዓብይ ጉያ ብዓርሰ ተበግሶ መናእሰይ ትግራይን ማሕበር ባዶ ሓደን ከምዝተዳለወ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ምስ መዳለዉቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዮ ነዚ ዝተብሃለ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገብረፃድቃን ገብረስላሴ ከምዝበልዎ፥ ምልሻ ትግራይ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ሰላም ትግራይ ውሑስ ንክኸውን ፃዕሪ ይገብር ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ትግራይ ግድኡ እናበርከተ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ባዶ ሓደ ኮነሬል ሽመንዲ ብግደኦም፥ እቲ ምልሻ ክብሪ ስለዝግበኦ ኩሉ ሰብ ኣብቲ ዓብይ ጉያ ንክሳተፍ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቲ ዓብይ ጉያ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ካብ 20 ጉንበት ክሳብ 15 ሰነ 2011 ዓ.ም ክሳለጥ እዮ።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...