Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጋምቤላ ብዝተወለዐ ጎንፂ 92 ተሃነፅቲ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጦም

0 48

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጋምቤላ ብዝተወለዐ ጎንፂ 92 ተሃነፅቲ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጦም።

ቤት ዕዮ እቲ ቤት ህንፀት ከምዝበሎ ነቶም ዘምለጡ ተሃነፅቲ ንምሓዝ ክትትል ይግበር ኣሎ።

ኣዛዚ ቤት ህንፀት ዞባ ጋምቤላ ረዳት ኢንስፔክተር ጆን ኡሞድ፥ ብምኽንያት ማይ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝተወለዐ ዘይምርድዳእ እቲ ጎንፂ እናሰፍሐ ብምኻዱ ኣብቲ ቤት ህንፀት ካብ ዘለዉ 316 ተሃነፅቲ እቶም 92 ከምዘምለጡ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ኣዛዚ፥ እኹል ሓይሊ ፖሊስ ኣብቲ ቤት ህንፀት ስለዘይነበረ እዩ እቶም ተጠርጠርቲን ተሃነፅቲን ከምልጡ ዝኸኣሎ።

ፍልፍል፦ግዜኢ

Comments
Loading...