Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብመልክዕ ቀሊል ልቓሕ ዝወሃብ ሰነድ ስምምዕነት 300 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

0 87

ኣዲስ ኣበባ፣  8 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብልቓሕ ዝወሃብ ሰነድ ስምምዕነት 300 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተፈራሪመን።

እቲ ልቓሕ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓማውቲ ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ እትህባ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ነቲ ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣድማሱ ነበበ እንትፍርሙ፥ ብወገን ደቡብ ኮሪያ ድማ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮፕታ ሊም ሆን ሚን ነቲ ሰነድ ስምምዕነት ፈሪሞም ኢዮም።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ፥ ክልቲኦም መንግስታት ቀዳምነት ብምሃብ ትኹረት ኣብ ዝገበርሉ ማእኸል መረፃ ቴክኖሎጂ ከምዝፍፀም እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሓሙሽተ ማእኸላት ምርምር ዩንቨርሲቲ ሳይንሲን ቴክኖሎጂን ኣዳማን ህንፀት መስመር ኣብቶቡስ ኣዲስ ኣበባ ቀዳመነት ዝወሃቦም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

Comments
Loading...