Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ትግራይ ብምኽንያት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰጠመት መርከብ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ልዕሊ 40 ተጋሩ መናእሰይ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

0 198

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽንያት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰጠመት መርከብ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ልዕሊ 40 ተጋሩ መናእሰይ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

እቶም ካብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታን ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባን ብምብጋስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ መናእሰይ፥ ኣብ መንጎ ከባቢ የመንን ጅቡትን ኣብ ዘሎ ባሕሪ ምስ በፅሑ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ወይዘሮ የወይንእሸት ዘላለም ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልኡ፥ ቤተሰብ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ 43 መናእሰይ ትማሊን ሎሚ መዓልቲን ተረዲኦም እዮም።

ከም ኣገላልፃ እተን ሓላፊት፥ ስነስርዓት ግፍዒ(ምግላፅ ሓበራዊ ሓዘን ድሕሪ ቀብሪ) እውን ብሓባር ተፈፂሙ ኣሎ።

ፅባሕ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ድማ ብብርኪ ወረዳ ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ ከምዝፍፀም ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ፣ ጣቢያ ጒላ ኣበንዓ ክሳብ ሐዚ ንቤተሰብ ኣርባዕተ ግዳያት እቲ ሓደጋ መርድእ ከምዝተዘረበ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስቲን እቲ ወረዳ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፁ።

እቲ ሓደጋ 28 መጋቢት 2011 ዓ.ም ለይቲ ከምዘጋጠመ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ መናእሰይ ምግላፆም እውን ካብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

እቶም ወገናት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ህዝብን መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ ትግራይን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊፆም።

ንስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ድማ ፅንዓት ተመኒዮም።

Comments
Loading...