Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን መዝነቱ ንሲቪል እንተዘየመሓላሊፉ እታ ሃገር ካብ ኣባልነት ከምዝእግዳ ኣፍሊጡ

0 57

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ፥ ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን መዝነቱ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ብሲቪል ንዝምራሕ ፓለቲካዊ ጉጅለ እንተዘየመሓላሊፉ እታ ሃገር ካብ ኣባልነት ከምዝእግዳ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን እቲ ሕብረት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሽግግር መንግስቲ ንኹሉ ዘሳተፈን ሙያዊ ምኽክር ዝተገበረሉን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ወተሃደራዊ መሪሕነት ቀጠናዊ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ከእትዉ ካብ ዝኽእሉ መግለፂታትን ምንቅስቓሳትን ንክቑጠብ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሱዳን ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ሰላማዊ ሰልፍታት፥ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ነቶም ንኣስታት 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕሬዚዳንት ዑመር ሓሰን ኣልነሽር ካብ ስልጥን ኣልዩዎም `ዩ።

ነዚ ስዕቡ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን፥ ነታ ሃገር ንክልተ ዓመት ከመሓድር ዝኽእል ቤት ምኽሪ ወተሃደራዊ ሽግግር መንግስቲ ምጥያሹ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ሲጂቲኤን

Comments
Loading...