Fana: At a Speed of Life!

ወልዋሎ ምስ መከላከያ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ 1 ንባዶ ተዓዊታ

0 57

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ሚያዚያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፥ ወልዋሎ ምስ መከላከያ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ፀወተአን ኣካይደን።

ብመሰረት እዚ ሪችመንድ አዶንጎ ኣብ መበል 20 ደቒቓ ብዘቑፀራ ሓንቲ ሸቶ ወልዋሎ ኣብ ልዐሊ መከላከያ ሓደ ንባዶ ተዓዊታ።

ስለዝኾነ ወልዋሎ ክሳብ ሐዚ ብዘካየዶም ፀወታታት 30 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።

ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት መቐለ 70 እንደርታ ብ42 ነጥቢ ቀዳመይቲ ብምዃን እንትትመርሕ፥ ሲዳማ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ድማ ብቕደም ሰዓብ 34፣ 33 ነጥቢ ብምትሓዝ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይነን ይስዕባ ኣለዋ።

Comments
Loading...