Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ክፍሊ ኣሃዳዊ መጥባሕቲ ጣብያ ጥዕና ደቡብ ተመሪቑ

0 388

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ሚያዝያ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ 6 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ክፍሊ ኣሃዳዊ መጥባሕቲ ጣብያ ጥዕና  ደቡብ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ነበርቲ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ጣብያ ባሕሪፀባ ቅድመ ሐዚ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ከተማ መቐለ እናኸዱ ይሕከሙ ኔሮም።

እዚ ድማ ንዘይተደለየ ወፃኢ ይዳርጎም ከምዝነበረ ንጣብያና ተዛሪቦም።

ዳይሬክተር እታ ጣብያ ጥዕና ኣይተ ገብረብርሃን ኣመሃ ከምዝበልዎ፥ ሎሚ ዓመት 150 ኣደታት ኣብቲ ጣብያ ጥዕና  ወሊደን ኢየን።

33 ነፍሰፁር ኣደታት ድማ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ መቐለ ከይደን ኢሎም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ክፍሊ ኣሃዳዊ መጥባሕቲ፥ ነዚ ፀገም ክፈትሕ እዮ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ፀጋይ በሪሁ ብግደኦም፥ እቲ ማእኸል ንመጥባሕቲ ምችውን ሓይሊ ሰብ ዝተማለኣሉን ከም ዝኾነ ገሊፆም።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ቀሊል መጥባሕቲ ዘድልዮ ሕክምና ኣብቲ ጣብያ ጥዕና ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

ሙሉእ ወፃኢ ናይቲ ማእኸል ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ከምዝሸፈኖ ‘ውን ተገሊፁ።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...