Fana: At a Speed of Life!

ወልዋሎ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ፖሊስ 1 ንባዶ ብምዕዋት ደረጀኣ ኣመሓይሻ

0 151

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል 19 ሰሙን ፀወታ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎን ደቡብ ፖሊስን ፀወተአን ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ኣካይደን።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዘካየድኡ ፀወታ፥ ወልዋሎ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ፖሊስ 1 ንባዶ ብምዕዋት ደረጀኣ ኣመሓይሻ።

እታ ብሕታዊት ሸቶ ፕሪንስ ሰቨሪንሆ ኣብ መበል 82 ደቓይቕ እዩ ኣቑፂሩዋ።

ብመሰረት እዚ ወልዋሎ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘካየደቶም ፀወታታት 27 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ መበል ደረጃና ናብ መበል ሻምናይ ክብ ክብል ገይራ ኣላ።

ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ፥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት መቐለ 70 እንደርታ ካልኣይ ኮይና ተሰሪዓ ንዘላ ፋሲል ከነማ ብ7 ነጥቢ ብምብላፅ ድምር 39 ነጥቢ ሒዛ ብቐዳማይ ደረጃ ትመርሖ ከምዘላ ይፍለጥ።

Comments
Loading...