Fana: At a Speed of Life!

ተጋሩ ተቐማጦ ጀርመን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ለጊሶም

0 153

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተጋሩ ተቐማጦ ጀርመን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ብር 1 ሚሊየንን 189 ሺሕን ለጊሶም።

ኣብዛ ሃገር ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ፖለቲካ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ልዕሊ 100 ሺሕ ተጋሩ ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ካብ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነቶም ወገናት ንምሕጋዝ ድማ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታትን ክልላዊ ቦርድን ተጣይሹ እዩ።

ስለዝኾነ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ህዝቢ፣ ሰብ ሃፍትን ካልኦት ግዱሳት ኣካላትን ሓገዝ ምሃብ ጀሚሮም እዮም።

ኣካል እቲ ሓገዝ ድማ፥ ተጋሩ ነበርቲ ጀርመን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተፈናቐሉ ተጋሩ ዝውዕል ብር 1 ሚሊየንን 189 ሺሕን ለጊሶም ኣለዉ።

ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ “1000257971655” ን “1000015311324” ን ኣብ ዝተኸፈተ ሒሳብ ቝፅር ባንኪ ክሳብ ታሕሳስ 30/2011 ዓ.ም 64 ሚሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኾነ እቲ ቢሮ ምግላፁ ይዝከር።

Comments
Loading...