Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሻምፒዮን ኣፍሪካ እዚ ዓመት ብምዃን ተዓዊቱ

0 122

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሻምፒዮን ኣፍሪካ እዚ ዓመት ብምዃን ሽልማት ዓቲሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ፎረም ዋና ኣፈፀምቲ ስራሕ ኩባኒያታት ኣፍሪካ ብምርካብ ሽልማቱ ወሲዱ ኣሎ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ኣብቲ መድረኽ ብምርካብ ነቲ ሽልማት ተረኪቦም።

እቲ ፎረም ዋና ኣፈፀምቲ ስራሕ ኩባኒያታት ኣፍሪካ ትማሊ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ሓዊሱ ዋና ኣፈፀምቲ ስራሕ ኩባኒያታትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ መድረኽ ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ኲናት ሕድ ሕድ፣ ኢንቨስትመንትን ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ብዝምልከት ዝዛተ እዩ።

Comments
Loading...