Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ኩባንያታት ኣፍሪካ ኣብ ኪጋሊ ይሳለጥ ኣሎ

0 103

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ዋና ፈፀምቲ ስራሕ ኩባንያታት ኣፍሪካ ኣብ ሩዋንዳ፣ ኪጋሊ ሎሚ መዓልቲ ምስላጥ ጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራሕቲን ኣፈፀምቲ ስራሕ ኩባንያታትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ ፎረም መደራ ዝገበራ እንትኾና፥ ብተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂበን እየን።

ስምምዕነት ናፃ ቀጠና ነግዲ ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ሀዝቢ ሸፌዴሪኢ ቀሪቡ ከምዝፀደቐ ኣብ ዝሃብኡ ሓሳብ ገሊፀን።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ካብ ውህደት ኢኮኖሚ ወፃእ ንኣፍሪካ ከልእ ኣማራፂ የለን ብዝብል ከምእትኣምን እውን ሓቢረን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀጠና ኣፍሪካ ሰላም ንክዓስልን ውህደር ኢኮኖሚ ንክቀላጠፍን ልዑል ፃዕሪ ትገበር ምህላዋ ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ምስ ኤረትራ ዝነበራ ቅርሕንቲ ብሰላም ምፍትሓ ከም መርኣያ ኣቕሪበንኡ።

እቲ ፎረም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሕ ውዕሎኡ፥ ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ኲናት ሕድ ሕድ፣ ኢንቨስትመንትን ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ብዝምልከት ዘተ ክገበር እዩ።

ከምኡ እውን ምጉልባት ውልቀ ሴክተራት፣ ምቕራፅ ፖሊሲን ዘላቕን ዝተረጋገዐን ንግዲ ኣብ ምፍጣርን ኣድሂቡ ልዝብ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

Comments
Loading...