Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ሳልሳይ ሃገር ለኸ ውድድር ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ክካየድ’ዩ

0 100

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሳልሳይ ሃገር ለኸ ውድድር ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ’ዩ።

ኣብቲ ዝካየድ ውድድር ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ስፖርተኛታት ብ20 ዓይነታት ስፖርት ክነሓንሑ እዮም።

ስለዝኾነ ካብ 14 ክሳብ 29 መጋቢት 2011 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሳለጥ ሳልሳይ ሃገር ለኸ ውድድር ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ዝተፈላለያ ክልላት ናብ ከተማ መቐለ ምእታው ጀሚረን ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንጎሆ፥ ክልል ሃረሪ፣ ኣምሓራ፣ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ስፖርተኛታተን ብምሓዝ ናብ ከተማ መቐለ ኣትየን እየን።

ዝተረፋ ክልላት ድማ ሎሚ መዓልቲ ክኣትዋ እየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ክልል ትግራይ ኣብቲ ዝካየድ ውድድር ብ20 ዓይነታት ስፖርት እትሳተፍ እንትትከውን፥ ነዚ ዝኸውን 511 ስፖርተኛታት ተዳሊዮም ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ መቐለ ንዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ሃገር ለኸ ውድድር ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሰለማዊ ኮይኑ ንክዛዘም ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝተወገነ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ገሊፆም።

ፍልፍል፦ኤመሓት

Comments
Loading...