Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ባህርዳር ክካየድ ዝቐነየ ንሕንሕ ሻምፒዮና ብሽክለታ ኣፍሪካ ተዛዚሙ

0 115

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ኣብ ባህርዳር ክካየድ ዝቐነየ ንሕንሕ ሻምፒዮና ብሽክለታ ኣፍሪካ ትማሊ መፈፀምታ ረኺቡ።

ኣብቲ ዝተገበረ ውድድር ኢትዮጵያ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ንሕንሓ እንትትዛዝም፥ ኤርትራን ሩዋንዳን ቀዳማይን ሳልሳይን ወፂአን ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ኤርትራ፦ 7 መዳሊያ ወርቂ፣ 6 ብሩርን 4 ነሓስን ብምውህላል ቀዳመይቲ
  • ኢትዮጵያ ፦ 7 መዳሊያ ወርቂ፣ 5 ብሩርን 2 ነሓስን ብምውህላል ካልአይቲ
  • ሩዋንዳ፦ 2 መዳሊያ ወርቂ፣ 2 ብሩርን 3 ነሓስን ብምውህላል ሳልሰይቲ ብምዃን ንሕንሐን ዛዚመን።

ደቡብ ኣፍሪካ 1 መዳሊያ ወርቅን 3 ነሓስን፣ ኣልጄሪያ 1 መዳሊያ ብሩርን 1 ነሓስን ከምኡ እውን ቡርኪናፋሶ 2 መዳሊያ ነሓስ ብምውናን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ከምዝዛዘማ ተገሊፁ።

ብድምሩ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ 16 ሃገራት ኣፍሪካ ፍሉይ ሽልማትን ወረቐት ተሳትፎን ተዋሂቡወን ኣሎ።

Comments
Loading...