Fana: At a Speed of Life!

ወልዋሎ ኣብ ልዕሊ ሃዋሳ ከተማ 1 ንባዶ ብምዕዋት ደረጃኣ ኣመሓይሻ

0 170

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ፥ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲን ሃዋሳ ከተማን ካብ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚረን ፀወተአን ኣብ ትግራይ ስታዲየም ኣካይደን።

ብመሰረት እዚ ወልዋሎ ንሃዋሳ ከተማ 1 ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ ኣላ።

ፕሪንስ ሰቨሪንሆ ኣብ መበል 67′ ደቒቓ ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሸቶ እያ ወልዋሎ ተዓዊታ ዘላ።

ብመሰረት እዚ እታ ጋንታ 23 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ዝነበረቶ 10 ደረጃ ኣመሓይሻ ኣብ ሻድሻይ ተቐሚጣ ኣላ።

ብተመሳሳሊ ዜና ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ ፅባሕ ሰምበት ዝህሉ ፀወታታት፦

• ደደቢት 9:00 መቐለ 70 እንደርታ

• ወላይታ ድቻ 9:00 ስሑል ሽረ

• ባህር ዳር ከተማ 9:00 ቅዱስ ጊዮርጊስ

• ፋሲል ከነማ 9:00 ሲዳማ ቡና

• ጅማ አባ ጅፋር 9:00 ኣዳማ ከተማ

• ድሬዳዋ ከተማ 9:00 ኢትዮጵያ ቡና

• መከላከያ 10:00 ደቡብ ፖሊስ ፀወተኦም ከካይዱ እዮም።

Comments
Loading...