Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምርመራ ከም ዝተጀመረን ግዜ ከም ዝወስድን ገሊፁ

0 94

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ መንቀሊ ናይቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ንምጽራይ ዝግበር ምርመራ ግዘ ክወስድ ከም ዝኽእል ተዛሪቦም ።

“ዋላ’ኳ እቲ ሓደጋ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን እንተኾነ ብሓደ ገፅ ንዓማዊልና ከምቲ ልሙድ እናተኣናገድና በቲ ካልእ ገፅ ድማ ንስድራ ግዳያት እናተቐበልና ኢና” ኢሎም ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ።

ምትእጉጓል በረራታት ከየጓነፈ ስርሑ ይቕፅል ምህላዉ’ውን እቶም ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም ።

እቲ ሓደጋ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብድሕነት በረራ ንዘለዎ ጽቡቕ ስም ዝሃስዮ ከምዘይኮነ ድማ ኣረዲም ።

“እቲ ሓደጋ ምስ ዘለና ዝና ድሕነት በረራ ዝራኸብ ኣይኮነን” ዝበሉ ኣይተ ተወልደ፤ መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ፡ ድሕሪ ምጽራይ ጥራሕ ዝፍለጥ ከምዝኾነ ተዛሪቦም ።

“መገዲታት ኣየር ካልኦት ሃገራት ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ካብ ምጥቃም ክዕቀባ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብዘን ዓይነት ነፈርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዜ ክልተ ዘስካሕክሑ ሓደጋታት ስለዘጋጠመ ንሕና’ውን ክንጠራጠር ኪኢልና ኢና” ኢሎም።

ብድሕሪ’ቲ ሓደጋ ነተን ነፈርቲ ካብ ምጥቃም ከም ዝተዓቀቡ ብምሕባር፡ ቻይና 97 ነፈርቲ ምእጋዳ፡ ኢንዶነዢያ፣ ሲንጋፖር፣ ኣወስትራልያ፣ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳደን ኣዘኻኺም።

“እዚ ዘርእየና ነገር እንተሃለወ እተን ዓይነት ነፈርቲ (ቦይንግ 737 ማክስ 8) ፀገም ዲዛይን ከም ዘለወን’ዩ” ኢሎም።

ዋላ’ኳ ገና ብምርመራ ዝረጋገፅ እንተኾነ፡ “እቲ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ላየን [ኢንዶነዥያ] ዘጋጠመ ሓደጋ ሸሞንተ ደቒቓ ጥራሕ ምስ ተጓዓዘት’ዩ ሓደጋ ዝበፅሓ። ኣብታ ናትና’ውን ድሕሪ ሽድሽተ ደቒቓ እዩ” ክብሉ ነቲ ምምስሳል ኣረዲም ።

“ብመንፅር ድሕነት ክረኣይ ከሎ ብዘይተረጋገፀ ምኽንያት ኢና ካብ ስራሕ ኣጊድናየን ዘለና። ይኹን ደኣ’ምበር ነቶም ኣጋጣምታት ክነራኽቦም ክንፍትን ከለና ኣብ ልዕሊ ሓደሽቲ ነፈርቲ እሞ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም ብምኽኣሉን ሰብ ሞያ’ውን ነዚ ክምርምሩ ብምፅንሖም በተን ነፈርቲ ናብ ተወሳኺ ሓደጋ ምእታው ኣየድልይን” ክብሉ ምኽንያት ምእጋድ በረራ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ኣብሪም።

ይኹን ደኣ’ምበር ኣብ ኣታዊ እቲ መገዲ ኣየር፡ ኣሉታዊ ፅልዋ ምፍጣሩ ከም ዘይተርፍ ብምግላፅ “ኣታዊ ካብ ድሕነት ዝቕድም ኣይኮነን” ኢሎም ።

Comments
Loading...