Fana: At a Speed of Life!

ኮምሽን ጉዳያት መንነትን ምሕደራ ወሰንን ኢ- ሕገ መንግስታዊ እዩ-ዓረና

0 98

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ውድብ ዓረና ትግራይ ነቲ ሕገ መንግስቲ ከምዝጠሓሰ ብህዝብን መንግስትን ትግራይ መርገፂ ዝተወሰደሉ ኮምሽን ጉዳያት መንነትን ምሕደራ ወሰንን ኢ- ሕገ መንግስታዊ እዩ ክብል ብዕላዊ መግለፂ ኰኒንዎ።

ውድብ ዓረና ትግራይ እቲ ሕቶታት ወሰንን መንነትን ክፈትሕ እዩ ዝብል እምነት ዝተወሰደሉ ኮምሽን ከም ውድብ ከምዝቃለሶ እውን ገሊጹ።

ዓረና ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሕቶታት እንተሃልዮም ብዓንቀጽ 47 ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ምፍታሕ እናተኸኣለ ካልእ ኮምሽን ምጥያሽ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉን ኢ ሕገመንግስታዊ ምዃኑን ገሊጹ።

ኮምሽን ጉዳያት መንነትን ምሕደራ ወሰንን ኢ- ሕገ መንግስታዊ ክብል ባይቶ ክልል ትግራይ ተቓዊሙ ውሳነ ሓሳብ ምሕላፉ ይዝከር።

ብተወሳኺ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ተወከልቲ ትግራይ ምቅዋሞም ይፍለጥ።

Comments
Loading...