Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፈታዊ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ናይ ዝኾነ ህዝቢ በይዛ ከምዝኸውን ብምትእምማን ኣብ ጎድኑ ክንስለፍ ኢና-ዶክተር ደብረፅዮን

0 68

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ንምኽባር ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ከምዝኾነ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን፥ መበል ሻውዓይ ፅምብል በዓል መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ሂቦም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህንፀት ልምዓትን ዴሞክራሲን ወሳኒ ተራ ንዘለዎ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢን ልዕልነት ህዝብታትን ከይተሸራረፈ ንክኽበር ኣብ ምግባር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ብፍላይ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርናን ጎረባብቲ ሃገራትን ንክኽበር ዝገበሮም ስራሕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝህልዎ ረብሓ ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ሰላም መርኣያ ዝኸውን እዩ እውን ኢሎም።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተፈጠሩ ጎንፅታት ንምርግጋዕ ዓሊሙ ብዓቃቢ ሰላም ኣብ ዝተዋፈረሎም ከባቢታት ውፅኢታዊ ስራሕ ምስርሑ ድማ ምልክት ህዝባዊነቱን ፅንዓት ዕላምኡን ምዃኑ ግልፂ እዩ ከብሉ ሓቢሮም።

ስለ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምኽባር ልእላውነት ህዝብን ሃገርን፣ ንህንፀት ፍትሒን ስርዓት ዴሞክራሲን ወዘተ ዝገበሮም ፃዕርታትን ዘረጋገፆም ውፅኢታትን ከምዝንእዱ ዶክተር ደብረፅዮን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ንቐፃሊ እውን ፈታዊ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ናይ ዝኾነ ህዝቢ በይዛ ከምዝኸውን ብምትእምማን ከም ህዝብን መንግስትን ኣብ ጎድኑ ክንስለፍ ኢና ክብሉ ኣፍሊጦም።

Comments
Loading...