Fana: At a Speed of Life!

ጉዕዞ ኣሉላ ብሰላም ተዛዚሙ

0 48

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 122 መስዋእቲ ራእሲ ኣሉላ ምኽንያት ብምግባር ዕለት 3 ለካቲት ካብ ቤተ መንግስቲ ሃፄ የውሃንስ ብምብጋስ ናብ ዓድዋ ክግበር ዝቐነየ ጉዕዞ ኣሉላ ብሰላም ተዛዚሙ።

ተጓዓዝቲ ኣብ እንዳባገሪማ ዝርከብ መቓብር እቲ ጅግና ኣፍሪካዊ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 6ን 30 ደቓይቕን ብሰላም ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ካብ እንዳባገሪማ ንዓድዋ ኣስታት 13 ኪሎ ሜትሮ ብእግሪ እንዳተጓዓዙ ይርከቡ።

ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓድዋን መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ገዳምን ንተጓዓዝቲ ኣቀባብላን ገለፃን ገይሮምሎም።

Comments
Loading...