Fana: At a Speed of Life!

ትእምት ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ንዘለዉ ፀገም ናውቲ ንምፍታሕ ዝውዕል 11 ሚሊየን ብር ለጊሳ

0 83

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረሰናይ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ንመፍትሒ ፀገም ናውቲ ሕክምና ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ዝውዕል ሓገዝ 11 ሚልዮን ብር ለጊሳ።

እቲ ሓገዝ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ኣብ ናውቲ ሕክምና ንዘጋጠሞ ሕፅረት ንምፍታሕ ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ ከምዝተፈቐደ ድማ ዋና ዳይሬክተር ስራሕቲ ምግባረሰናይ ትእምት ኣይተ ጥላሁን ታረቀ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ነዊሕ ግዘ ዘቑፀሩን ኣብ ግልጋሎት ፀገም ዝፈጥሩ ዝነበሩን መሳርሕታት ብምቕያር ሕብረተሰብ ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ንክረክብ ከምዝሕግዝ ዳይሬክተር ምሕካምን ክንክንን ሕሙማን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣይተ በሪሁ መስፍን ሓቢሮም።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ኣብ ዓመት 200 ሽሕ ንዝኾኑ ሰባት ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ሕክምና ከምዝህብ ድማ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ብሳሙኤል ገብረታቲዮስ

Comments
Loading...