Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንፀላኢ ፍልፍል ፍርሓት ንኢትዮጵያውያን ድማ ፍልፍል ኩርዓት’ዩ-ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ

0 148

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ንፀላኢ ፍልፍል ፍርሓት ንኢትዮጵያውያን ድማ ፍልፍል ኩርዓት’ዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

መበል ሻውዓይ ፅምብል በዓል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ “ሕገ መንግስታዊ ተኣማንነትናን ህዝባዊ ባህሪናን ሓሊና ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ክነቐፅል ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዳማ ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣዳማ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ድሙቕ በዓል፥ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ሰራዊት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ጠቅላይ ኤታማዦር ሹም ጄኔራል ሰዓረ መኮንን፣ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ንፀላኢ ፍልፍል ፍርሓት ንኢትዮጵያውያን ድማ ፍልፍል ኩርዓት’ዩ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ብምኻድ ሰላም ኣብ ምኽባር እጃሙ ዘበርከተ ዝተመስገሰ ሰራዊት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ እቲ ሰራዊት ግልፅነት ስለዘይነበሮ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ብዝተሰርሐ ትካላዊ ስራሕ ልዑል ለውጢ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ብዓውዲ ቴክኖሎጂን ካልኦት ዘፈራትን ንምዝማን ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘመናዊ ምግባር ብሓደ ግዘ ተጀሚሩ ዝዛዘም ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ በቢእዋኑ ምስ ዝለዋወጥ ዓለማዊ ኩነታት ምጉዓዝ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣባላት ሰራዊት፥ ኩሉ ግዘ ንገዛእ ርእሶም ንሓዱሽ ነገር ድሉው ክገብሩ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ጠቅላይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ሰዓረ መኮንን ብግደኦም፥ እቲ በዓል ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሓሊዩ በቢ ዓመቱ እናተኸበረ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበት ዘሎ ፅምብል በዓል ድማ፥ ሕገ መንግስቲ ንምሕላው ዝተኣተወ ቃል ብምሕዳስ፣ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ምቅርራብ ብምጥንኻርን ስዉኣት ብምዝካርን ከምዝኾነ ገሊፆም።

Comments
Loading...