Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ን18 ሽሕ ተጓዓዝቲ ግልጋሎት ሂቡ

0 71

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን18 ሽሕ ተጓዓዝቲ ግልጋሎት ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ፥ ን95 ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ንኣስታት 40 ዜጋታት ድማ ጊዝያዊ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር እናተንቀሳቐሰ ከም|ዝርከብ ድማ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዕለታዊ 10 በረራታት ብምክያድ ን1 ሺሕ ተጓዓዝቲ ዓማዉል ግልጋሎት እናሃበ ከምዝርከብ ዝሓበራ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ወ/ሮ ካስች ሓዱሽ፥ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን18 ሽሕ ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ከምዝሃበ ኣብሪሀን።

ብመሰረት እዚ 4 ነጥቢ 2 ሚልየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ተዛሪበን።

ይኹን እምበር እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብዝበለፀ ዓማዊሉ ንምግልጋል ብምሕሳብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብ70 ሚልየን ብር ወፃኢ ዘህነፆ መዝሐልን መፅንሕን ዕምበባ፣ ስጋን ብምቖት ዝበላሸዉ ፍራምረን ክሳብ ሐዚ ተገልገልቲ ሰብ ሃፍቲ ከምዘይግልገልሉ ዘለዉ ወ/ሮ ካሰች ሓቢረን።

ስለዝኾነ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነዚ ጠመተ ሂቡ ክሰርሐሉ ፀዊዐን።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብ10 ነፈርቲ ንዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ስልጠናታት በረራ ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ድማ ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተረኸበ መረዳእታ የረድእ።

ብሙሉጌታ ታደለ

 

Comments
Loading...