Fana: At a Speed of Life!

ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ካልኣይ ብርኪ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ወኒኑ

0 98

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዓመተ 2011 መቑፀርቲ ልዑል ሸቶ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 15 ሰሙን ፀወታ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ልዕሊ ድሬዳዋ 2 ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ምዕዋታ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ መቐለ 70 እንደርታ ክልት ተመዓራራዪ ፀወታ እናተረፋ፥ 29 ነጥብታት ብምውህላል ንሲዳማ ቡና ብክልተ ነጥቢ በሊፃ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ድማ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ፀወታ 10 ሸቶታት ብምቑፃር ኣብ መቑፀርቲ ልዑል ሸቶ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ኣብቲ ፕሪምየር ሊግ፥ ምንይሉ ወንድሙ(መከላከያ) ብ11 ሸቶ ቀዳማይ፣ ኣዲስ ጊደይ(ሲዳማ ቡና) ብ9 ሸቶ ሳልሳይ ደረጃ እንትሕዙ፥ ታፈሰ ሰለሙን(ሃዋሳ ከተማ)ን ዳዋ ሆቴሳ (ኣዳማ ከተማ)ን ብማዕረ 8 ሸቶ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ይነሓንሑ ኣለዉ።

Comments
Loading...