Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረነስ ቴሌኮም ንክተተኣናግድ ተሓሪያ

0 111

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረነስ ቴሌኮም ንክተተኣናገድ ከምዝተሓረየት ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ምስ ዋና ፀሓፊ ሕብረት ቴሌኮም ሆውሊን ዛሆ ሎሚ መዓለቲ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ቴሌኮም ዝጀመረቶ ስራሕቲ ብዝምልከት ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣብሪሆም።

ዋና ፀሓፊ ሕብረት ቴሌኮም ሆውሊን ዛሆ ብግደኦም፥ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ምስ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ንምስራሕ ዘለዎም ምድላው ገሊፆም።

ኣብ ኣፍሪካ ዝህሊ ቢሮ ኣብ ኢትዮጵያ ንምኽፋት ትልሚ ከምዝሓዙ እውን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ 2 ሺሕን 500 ሰባትን 90 ሚኒስትራትን ዝሳተፍሉ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረነስ ቴሌኮም ንክተተኣናገድ ከምዝተሓረየት ድማ ተዛሪቦም።

Comments
Loading...