Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ዓርሳ ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ንዝተወሰነ ግዘ ካብ ዓለማዊ ምትእስሳር ኢንተርነት ወፃኢ ክትኸውን’ያ

0 74

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩሲያ ዓርሳ ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ንዝተወሰነ ግዘ ካብ ዓለማዊ ምትእስሳር ኢንተርኔት ወፃኢ ክትኸውን ትእምት።

እዚ ማለት ርክብ ኢንተርኔት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዝተሓፀረ ክኸውን’ዩ።

እዚ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፈተነ ድማ፥ ኣብ ሞንጎ ኣብ ሩሲያ ዘለው ትካላትን ዜጋታትን ዘሎ ምትሕልላፍ መረዳእታ ኣብ ክንዲ ዓለማዊ ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዘተኮረ ዝገብር’ዩ ተባሂሉ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንሩሲያ ካብ ዓለማዊ ኣገልግሎት ኢንተርነት’ኳ እንተርሐቕኣ ዓርሳ ክትኽእል ዝገብራ ኣሰራርሓ ግብራዊ ትገብር ምህላዋ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ሩሲያ ንርእሳ ክኢላ ክትሰርሕ ዝሕግዙ ቴክኒካዊ ለውጢታት ዘገድድ ረቛቕ ሕጊ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ቐሪቡ ነይሩ።

እቲ ፈተነ ብልክዕ መዓዝ ከም ዝኸውን ዝተገለ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፥ ቅድሚ 1 ሚያዚያ ኣብ ዘለው ግዜያት ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ይግለፅ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...