Fana: At a Speed of Life!

መበል 32 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ

0 96

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 32 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ትማሊ ኣማሲዩ ተዛዚሙ።

ኣብ ጉዳይ ተመዛበልቲ፣ ካብ ስደት ተመለስቲን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ተመዛበልቲን ብዝምልከት ትኹረት ብምግባር ዝተሳለጠ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ኣብታ ኣህጉር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ፀፅታ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣብ ሓደ ስምምዕ ብምብፃሕ ተዛዚሙ።

ሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዚዳነት ኣልሲሲ፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ኢኮኖሚያዊ ምውህሃድ ክህሊ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ ንምቕራፍ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ምጥንኻር፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ ልምዓት ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ መናእሰይን ደቂ ኣንስቲዮን ናብ ሓላፍነት ኣብ ምምፃእ ትኹረት ዘድልዮ ዛዕባ ምዃኑ ተገሊፁ።

Comments
Loading...