Fana: At a Speed of Life!

ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ

0 30

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ መበል 15 ሰሙን ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ 6 ጋንታታት ከራኽብ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታ፥ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩንቨርስቲ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ምስ ሲዳማ ቡና ክትገጥም እያ።

ወልዋሎ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ እተካይዶ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ስሑል ሽረ ምስ ፋሲል ከነማ ኣብ ጎንደር ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ ፀወታኣ ክተካይድ እያ።

ፋሲል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመቐለ 70 እንደርታ 1 ንባዶ ከምዝተረትዐት ይዝከር።

ደቡብ ፖሊስ ምስ ጅማ ኣባ ጅፋር ድማ ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ፀወተአን ከካይዳ እየን።

ብድምር ኣብዚ ሰሙን ዝካየዱ መበል 15 ሰሙን ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ፥ ናይ መወዳእታ ቀዳማይ ዙር ፀወታት እዮም።

Comments
Loading...