Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ብዓውደ ፍልጠት ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ንክትውንን ራእይ ዝሰነቐ ኣካዳሚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፍስሃ ተመሪቑ

0 271

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትግራይ ብዓውደ ፍልጠት ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ንክትውንን ራእይ ዝሰነቐ ኣካዳሚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፍስሃ ትማሊ ተመሪቑ።

እቲ ብ65 ሚሊየን ብር ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዓዲ“ሓ” ዝተሃነፀ ኣካዳሚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፍስሃ፥  ህንፅኡ ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 276 ካሬ ሜትሮ ዝዓረፈ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

ብግዱስ መንእሰይ ብዓል ሃፍቲ ፍስሃ ኣረጋዊ ዝውነን ውልቀ ትካል ኣካዳሚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፍስሃ፥ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝማዕበለ ማሕበረሰብ ኣብ ምህናፅ ትኹረት ሂቡ ዝሰርሕ እዩ።

ብመሰረት እዚ ንምምሃር ምስትምሃር ሓገዝቲ ዝኾኑ እኹል ናውቲ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዘማልአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣካዳሚ ቀፅሪ ኣፀደ ህፃናትን ስሩዕ ትምህርትን ብዝብል ዝፍለጡ ክልተ ቀፅርታት ዘለውዎ እንትኸውን፥ ካብ ኣፀደ ህፃናት ክሳብ 12 ክፍሊ ንከምህር ፍቓድ ዝተውሃቦ እዩ።

ክሳብ ሐዚ ን46 ወገናት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፥ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ ዓመተ 2011 596 ተምሃሮ ተቐቢሉ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝርከብ ድማ ተገሊፁ።

ወናኒ እቲ ትካል መንእሰይ ፍስሃ ኣረጋዊ፥ ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣካዳሚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፍስሃ ንተመዛበልቲ ተጋሩ ዝኸውን 100 ሺሕ ብር ኣወፊዮም።

Comments
Loading...