Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቴኒዮ ጉተሬዝን ካልኦት መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ተዛቲዮም

0 76

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቴኒዮ ጉተሬዝን ካልኦት መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ተዛቲዮም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ድሕሪ እቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ፀፅታን ንክህሉ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝድግፍ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትረ ዶክተር አቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሙሃሙድ ኣባስን ሚኒስትር ምትሕብባር ዓለም ለኻ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስ ሪም ኣልሃሺሚ ተዛቲዮም እዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባ ዘተኮረ ከምዝነበረ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ዝካየድ ዘሎ መበል 32 ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ጎድኒ ንጎድኒ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪያ ራማፎሳን ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬንያታን እውን ተዛቲዮም እዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ከባቢያውን ዓለም ለኻውን ዛዕባታት ዘተኮረ ከምዝነበረ ድማ ተገሊፁ።

Comments
Loading...