Fana: At a Speed of Life!

ሪፈራል ሆስፒታል ዩንቨርስቲ ኣክሱም ፀገም ምስማዕ እዝኒ ንዘለዎም ናፃ ገልጋሎት ሕክምና ክህብ እዩ

0 121

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ሪፈራል ሆስፒታል ዩንቨርስቲ ኣክሱም ፀገም ምስማዕ እዝኒ ንዘለዎም 1 ሺሕ ወገናት ናፃ ግልጋሎት ሕክምናን ንምስማዕ ዝሕግስ መሳርሒን ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

እቲ ሆስፒታል “Starkey Hearing Foundation” ምስ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናት ኣሜሪካ ብምዃን ነቲ ድጋፍ ዝህብ እንትኸውን፥ ካብ 8 ክሳብ 9 ለካቲት 2011 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ቀፅሪ ሪፈራል ሆስፒታል ዩንቨርስቲ ኣክሱም ከምዝወሃብ ድማ ተገሊፁ።

እቲ ግልጋሎት ዝወሃበሉ እዋን ሓፂር ስለ ዝኾነ ተገልገልቲ ኣቐዲሞም ኣብቲ ዝተረቑሐ ቦታ ንክርከቡ ኣተሓሳሲቡ።

ብተመሳሳሊ እቲ ዩንቨርስቲ፥ ሄማላያን ካታራክት ፕሮጀክት(Himalayan Cataract Project ) ምስ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ፀገም ሞራ ዓይኒ ንዘለዎም ተገልገልቲ ካብ 18 ክሳብ 24 ለካቲት 2011 ዓ.ም ኣብ ሆስፒታል ስሑል ሽረ ናፃ መጥባሕቲ ሕክምና ዓይኒ ክህብ እዩ።

Comments
Loading...