Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሱዳን ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘውፅእ ኣፍሊጡ

0 116

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሱዳን ኡመር ሓሰን ኣልበሽር መንግስቲ ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፈትሑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ሃገረ ሱዳን ምስ ናህሪ ዕዳጋ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ቀረባ እዋን ተቓውሞ ህዝቢ ምልዓሉ ይዝከር።

ስለዝኾነ እቲ ተቓውሞ ንምዝሕሓል ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ይወሃቡ ዘሎዉ እንትኾኑ፥ ነዚ እውን ኣብ ቤት ህንፀት ዘለዉ 16 ጋዜጠኛታት ምፍታሕ ዝብል ከም ሓደ ኣማራፂ ከምዝተወሰደ ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ኣልበሽር ካብ ህዝቢ ንዝቐረቡ ሕቶታት ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ አውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ጋዜጠኛታት ንምፍታሕ ከምዝወሰኑ ምስ ሓለፍቲ ሚዲያ እታ ሃገር ኣብ ዝነበሮም ኣኼባ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ምስ ሚዲያ ብዝተተሓሓዘ ንዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ቅሩብ ምዃኖም ሓቢሮም።

ፍልፍል፥ www.albawaba.com

Comments
Loading...