Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሆንግ ኮንግ ፋብሪካ ክሪስፕ፥ ድንሽ ቦምባ ኢድ ተረኺቡ

0 265

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ሃገረ ፈረንሳይ ኣብ ሆንግ ኮንግ ናብ ዝርከብ ፋብሪካ ክሪስፐ ኣብ ዝተላእኸ ድንሽ፥ ቦምባ ኢድ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ከም ዝተረኽበ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ብጭቃ ዝተሸፈነ ክንዲ ቦምባ-ኤፍ ዋን ዝኸውን ቦምባ ኢድ፥ “ኣብ ሓደገኛ ኩነታት” ምንባሩን ብኪኢላታት ካብቲ ቦታ ከም ዝለገሰን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ክሪስፕ ኣብ ዘፍሪ ሳይ-ኩንግ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ሆንግ ኮንግ ዝተረኽበ ዲ ቴረ ዝተባህለ ቦምባ ኢድ፥ ምስቲ ክሪስፕ ክስራሕ ዝተላእኸ ፍሪያት ድንሽ ካብ ፈረንሳይ ምምፅኡ ተገሊፁ።

እቲ ቦምባ ምስቲ ድንሽ ካብ መሬት ተፋሒሩ ብምውፃእ ምስቲ ድንሽ ተሓናፊፁን መፂኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ፖሊስ ሆንግ ኮንግ ይዛረቡ።

ተመራማሪ ታሪኽ ውትህድርና ዴቭ ማከሪ ከኣ፥ እቲ ቦምባ ኣብ እዋን ኲናት ተደርብዩ ዝዓከሰ ወይ ካብ ዕጥቂ ወተሃደራት ዝወደቐ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቦምባ ኢድ ብዝምልከቶም ክኢላታት ካብቲ ቦታ ተኣልዩ ብዘበናዊ ኣገባብ ከም ዝመኸነ ተፈሊጡ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...