Fana: At a Speed of Life!

መቐለ 70 እንደርታ ምስ ፋሲል ከነማ ሎሚ መዓልቲ ዘካይድዎ ፀወታ ልዑል ቀልቢ ስሒቡ ኣሎ

0 35

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ፋሲል ከነማን ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዓለም ለኻዊ ስታዲየም ትግራይ ፀወተአን ከካይዳ እየን።

ኣብ መበል ሳልሳይ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ከልከቲአን ጋንታታት ክካየድ ዝነበረ ፀወታ ብ”ይሕደር” ክሳብ ሐዚ ከይተሳለጠ ፀኒሑ እዩ።

ስለዝኾነ ርእሳነ ምምሕዳር ክልቲአን ክልላት ኣብ መንጎ ጋንታታት ትግራይን ኣምሓራን ዝካየድ ፀፀታ ሰለማዊ ኮይኑ ነክዛዘም ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል፥ እቲ ፀወታ ሎሚ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ይካየድ ኣሎ።

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፋሲል ከነማ ፀወተኦም ምስ መቐለ 70 እንደርታ ንምክያድ ዓሊሞም ኣብዚ ሰሙን መጀመርያ ናብ መቐለ ምምርሖም ይዝከር።

እቶም ኣባላት ጋንታ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ብደገፍቲ መቐለ 70 አንደርታ ድሙቕ ኣቀባበላ ከምዝተገበረሎም ድማ ገሊፆም።

ደገፍቲ መቐለ 70 እንደርታ፥ እወንታዊ ስነ ምግባር ብዝተመልኦ “እንኳዕ ብደሓን መፃእኹም!” ዝብል ባነር ኣዳሊዮም ከምዝተቐበልዎም ፋሲል ከነማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ፅሒፉ እዩ።

ብተመሳሳሊ ባህርዳር ከተማ ምስ ስሑል ሽረ፣ ጅማ ኣባ ጅፋር ምስ ድሬዳዋ ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት እዮም።

Comments
Loading...