Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝዘዋወር ዝነበረ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ተታሒዙ

0 59

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝዘዋወር ዝነበረ 1 ሚሊየንን 527 ሺህን 714 ዶላር ኣሜሪካ ሓዊሱ ብዙሕ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ገንዘብ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር እቶት ፌዴሪኢ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝበልኦ፥ 8 ሺህን 280 ዩሮ፣ 31 ሺህን 990 ፓውንድ፣ 25 ሺህን 665 ዶላር ካናዳ፣ 8 ሺህን 880 ዶላር ኣውስትራሊያ፣ 1 ሺህን 393 ዲናር ኩዬትን   690 ፍራንክ ስዊዝን ኣብ ቶጎ ጫሌ ተታሒዙ ኣሎ።

ብተወሳኺ 80 ሺህን 870 ክሮውን ኖርዌይ፣ 4 ሺህን 810 ሪያል ኳታር፣ 72 ሺህን 715 ድርሃም፣ 904 ሪያል፣ 734 ሺህን 88 ሱፉ ሪያል፣ 4 ሪያል ኦማንን 7 ኪሎ ግራም ወርቂን ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትዘዋወር ከምዝተትሓዘ ገሊፀን።

Comments
Loading...