Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ 43 ነጥቢ 4 ሚልየን ብር ዝግመቱ መሽናት ብልቓሕ ናብ ተጠቀምቲ ኣተሓላሊፉ

0 86

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ 43 ነጥቢ 4 ሚልየን ብር ዝግመቱ መሽናት ብልቓሕ ናብ ተጠቀምቲ ከምዘተሓላለፈ ገሊፁ።

ኣካያዲ ስራሕ ጉጅለ ምፅዳቕ ፕሮጀክት እቲ ባንኪ ኣይተ መጎስ ኣርኣያ ከምዝበልዎ፥ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ኣብ ማኒፋክቸሪንግን ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ንዝተዋፈሩ ነጋዶ ብሊዝ ፋይናንስ ልዕሊ 43 ሚልየን ብር ዝግመቱ መሽናት ብልቓሕ ተዋሂቡ።

እቶም ፕሮጀክታት 8 እንትኾኑ፥ እቶም ተረባሕቲ መለለይ ካርዲ፣ መስርሕን መሸጥን ቦታን ንግዲ ፍቓድን ዝሓዙ እዮም ኢሎም።

እቲ ባንኪ ብሊዝ ፋይናንስ ካብ 500 ሽሕ ክሳብ 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት መሽን ካብ ወፃኢ ሃገር ኣምፂኡ ከም ዝህብ ድማ ኣይተ ሞጎስ ተዛሪቦም።

ብዋናነት ቢዝነስ ፕላኖም ኣዋፃኣይ ንዝኾኑ ነጋዶ ልቓሕ ሊዝ ፋይናንስ ከምዝወሃ’ዉን ሓቢሮም።

እቲ ባንኪ ቅድሚ ሐዚ ነተን መሽናት ንምምፃእ ምድንጓያት የርእይ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ኣካያዲ ስራሕ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ምስ መቕረብቲ ኣካላት ብምዝርራብ ኣብ ሓፂር እዋን እተን መሽናት ምምፃእ ተኻኢሉ ኢሎም።

ብተወሳኺ ካብ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ጀሚሩ ንዝመፅኡ ቢዝነስ ፕላናት ቀልጠፍካ ንምዝዛም ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ ተዛሪቦም።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...