Fana: At a Speed of Life!

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሮማ ፍራንሲስ ንፈለማ እዋን ናብ ኢማራት ዓረብ ኣትዮም

0 37

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሮማ ፍራንሲስ ንፈለማ እዋን ናብ ኢማራት ዓረብ ኣትዮም።

ብመሰረት እዚ ንፈለማ እዋን ብኣቡን ዝተገበረ ታሪኻዊ ዑደት ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ኣቡዳቢ ምስ ኣተው ብልኡል ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ኣል-ናህያን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም ጳጳስ ፅባሕ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ዝሳተፉሉ ቅዳሰ ክመርሑን ዝተፈላለዩ እምነታት ኣብ ዝርከብሉ ኮንፈረንስ ክሳሳተፉን ትፅቢት ይግበር።

ጳጳስ ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኢዳ ዝሓወሰትሉ ኲናት የመን ቅድሚ መገሽኦም ርእይቶ ሂቦምሉ ነይሮም።

ኣብ ርእይቶኦም ድማ፥ ” ኣብ የመን ዘሎ ህዝቢ ነዊሕ ግዘ ብዝወሰደ ኲናት ይውዳእ ኣሎ፤ ህፃናት ድማ ብጥምየት እናተሳቐዩ መግቢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን” ክብሉ ገሊፆም እዮም።

” ድምፂ ኣውያት እቶም ህፃናትን ወለዶምን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ በፂሑ ኣሎ” ክብሉ’ውን ሓቢሮም ነይሮም።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፤ ኣብቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ተጠርኒፋ ኣብ ጉዳይ የመን እናተሳተፈት ከምእትርከብ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...