Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ልዕሊ 3 ሺሕ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ዶብ ሜክሲኮ ክተዋፍር`ያ

0 106

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣሜሪካ 3 ሺሕን 750 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ዶብ ሜክሲኮ ከምእተዋፍር ገሊፃ።

እቶም ወተሃደራት ኣብ ሓለዋ ዶብ ንዝተዋፈራ ካልኦት ትካላት ክሕግዙ፣ ክትትል ክገብሩን ትሪኳላታ ክዝርግሑን`ዮም ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ`ቲ ዶባ ንመህነፂ መንደቕ ዝኸውን በጀት ንክወሃቦም ምስ ባይቶ`ታ ሃገር ይዋጠጥሉ ኣብ ዘሎ እዋን ተወሰኽቲ ወተሃደራት ምውፋር መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ’ቶም ብክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ዝለኣኹ 3 ሺሕን 750 ተወሰኽቲ ወተሃደራት እቶም ኣብዝሓ ቅያር ናይ`ቶም ኣብ`ቲ ቦታ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት ኣሜሪካ `ዮም ተባሂሉ።

እቶም ቀዳሞት ወተሃደራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ`ዮም ኣብ`ቲ ቦታ ተዋፊሮም።

“ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ን90 መዓልታት ክዋፈራ`የን። ንተልእኾ ምሕላውን ምውሓስን ደቡባዊ ክፋል ዶብና ዘድሊ ዓይነት ሰራዊት ንምፍላጥ ድማ ቀፃሊ ገምጋማት ክንገብር ኢና” ብምባል ድማ ፔንይታጎን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ተልእኾኦም ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2019 ተንቀሳቐሲ ምክትታል ምግባርን ኣብ መንጎ መእተዊ ናቑጣታት ኣስታት 150 ማይልስ ዝኸውን ትሪኳላታ ምዝርጋሕ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ፍልፍል፦ሮይተርስ፣ ቢቢሲ

Comments
Loading...