Fana: At a Speed of Life!

ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ኣብ ኢትዮጵያ 19 ሚሊየን በፂሑ

0 158

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔትን ዳታን ኣብ ኢትዮጵያ 19 ሚሊየን ምብፅሑ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ድምር ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢትዮ-ቴሌኮም 41 ነጥቢ 1 ሚሊየን ምብፅሑ ዝሓበረ እቲ ትካል፥ ካብዚ እቶም 1 ነጥቢ 14 ሚሊየን ስሩዕ ቴሌፎን ከምዝጥቀሙ ኣፍሊጡ።

39 ነጥቢ 54 ሚሊየን ድማ ተገልገልቲ ሞባይል ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኣፈፃፅማ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔትን ዳታን 19 ነጥቢ 49 ሚሊየን ምብፅሑ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

Comments
Loading...