Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ተዓፅዩ ዝፀንሐ መስመር ከሰላ ተሰነይ ሎሚ ተኸፊቱ

0 64

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2018 ኣትሒዙ ተዓፅዩ ዝፀንሐ መስመር ከሰላ(ሰሜን ሱዳን) ተሰነይ(ኤርትራ) ሎሚ መዓልቲ ከም ዝተኸፍተ ተሓቢሩ።

ፕሬዚደንት ሃገረ ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ካብ ከሰላ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዶብ ሱዳን ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ብወግዒ ተኸፊቱ።

ሱዳን ኣብ ከባቢ ዶባታ ዝንቀሳቐሱ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ኣፅዋርን ፍቓድ ዘይብለን ተሽከርከርትን ካልኦትን ንምክልኻል ብዝብል ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ዝነበረ ዶብ ከሰላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝዓፀወቶ ዝዝከር’ዩ።

ክሳብ ሐዚ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምኽፋት ዶብ ተሰነይ ከሰላ ዝተሓበረ የለን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...