Fana: At a Speed of Life!

ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብልዕሊ 8 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ማእኸል መሰልጠኒ በዓል ሞያ “ኣኒስቴዠያኒስት” ኣመሪቑ

0 76

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2011(ኤፍቢሲ) ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ልዕሊ 8 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ማእኸል መሰልጠኒ በዓል ሞያ መደንዘዚ መድሓኒት (ኣኒስቴዠያኒስት) ኣመሪቑ።

እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ኣብቲ ሆስፒታል ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ መደንዘዚ መድሓኒት (ኣኒስቴዠያኒስት) ስልጠና እናሃበ ከምዝርከብ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሪአ ኢሳያስ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሐዚ ኣብቲ ሆስፒታል ፀገም ማእኸል መሰልጠኒ ከም ዝነበረ ዘገለፁ ዶክተር ሪአ፥ ካብ ገበርቲ ሰናይ ብዝተረኸበ ሓገዝ መሳርሒ እቶም ሰብ ሞያታት ንምስልጣን ሓጋዛይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ሰልጠንቲ ብግደኦም፥ እቲ ማእኸል ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጠረሎም ኣብሪሆም።

ማእኸል መሰልጠኒ በዓል ሞያ መደንዘዚ መድሓኒት ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ኢትዮጵያ ሃገርና ፈላማይ እንትኸውን፥ እቶም ሰልጠንቲ ዝለማመዱለን “ባንቡላ” ልክዕ ከም ናይ ወድሰብ ስምዒት ከምዘለወን ገሊፆም።

ኣብቲ ሆስፒታል ልዕሊ 32 ሰብ ሞያ መደንዘዚ መድሓኒት (ኣኒስቴዠያኒስት) ካብቲ ሆስፒታል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ። ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...