Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይናዊ ትካል ሁዋወይ ክሲ መስሪታ

0 30

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትካል ቴሌፎን ሁዋወይን ሓላፊት ክፍሊ ፋይናንስ ዝኾነት መንግ ዋንዦን ገበን ክሲ መስሪታ።

እቶም ኣብ ልዕሊ’ቲ ስማርት ቴሌፎናት ብምስራሕ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ተርታ ዝስራዕ ትካል ዝተመስረቱ ክስታት፥ ጉሕልና/ምትላል ባንኪ፣ ምዕንቃፍ ሕጋዊ መስርሕን ስርቂ ቴክኖሎጂኣዊ ምህዞን የጠቓልሉ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሁዋወይ 23 ክስታት መስሪታ’ላ።

እቲ ክሲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ንዘሎ ወጥሪ ከጋድዶ ከምኡ እውን እቲ ትካል ንዝገብሮ ዓለማዊ ናይ ምስፍሕፋሕ ፃዕርታት ድማ ክሃስዮ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።

ሁዋወይን መንግን ግን ነቲ ጠቐነታት ከምዝነፀግዎ ተገሊፁ።

መንግ፥ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዘንበረቶ ማዕቀብ ጥሒሳ ብዝብል ምኽንያት ብጠለብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካናዳ ተኣሲራ ምንባራ ይዝከር።

ሁዋወይ ሓደ ካብ’ቶም ናይ ዓለምና ዝዓበዩ ትካላት ቴክኖሎጂ’ዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብምስራሕ ስማርት ቴለፎናት ንኣሜሪካዊ ትካል ኣፕል ብምብላፅ ድሕሪ ሳምሳንግ ኣብ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዑ ይርከብ።

ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራትን ግን ቻይና ናይ ስለያ ክእለታ ንምስፋሕ ንቴክኖሎጂ ሁዋወይ ክትጥቀመሉ ትኽእል’ያ ብምባል ስግኣተን ክገልፃ ፀኒሐን ኣለዋ።

ሁዋወይ ድማ ኣብ ልዕሊኡ መንግስታዊ ቁፅፅር ከምዘየለ ይገልፅ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...